ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተኻየደ ናይ ድሮን ደብዳብ 10ታት ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

Radio Erena: Tuesday, 15 August 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ኣብ እትርከብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ብዝተኻየድ ናይ ድሮን ደብዳብ 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ኣብቲ ብ13 ነሓሰ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ካብ 20 ክሳብ 30 ሰባት ከምዝተቀትሉ፣ ንምንጭታት ሕክምና ብምጥቃስ ዶቸ ቬለ ኣቃሊሑ።

ኣብ ከባቢ እታ ከተማ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ሚሊሻታት ኣምሓራ ከምኡ’ውን ዕጡቓት ፋኖን ኵናት ይቕጽል ምህላዉ ዝሓበሩ ካልኦት ምንጭታት ብወገኖም፣ ሰራዊት መንግስቲ ሕነ ናይቲ ኣብ ባይታ ዝወረዶ ክሳራታት ናይ ነፈርቲ ሓገዝ ከምዝሓተተ ኣነጺሮም።

ብሄሊኮፕተራት ዝተሰነየ ምንቅስቓስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምንባሩ ዝሓበራ ካልኦት መርበባት ዜና እታ ሃገር ብወገነን፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብታ ከተማ ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ፣ ናይ ድሮን ደብዳብ ከምዘካየደ ወቒሰን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ህይወት 10ታት ሰለማውያን ሰባት ኣጥፊኡ ዘሎ ደብዳብ ብዝምልከት ክሳብ ስቱድዮ ዝኣተናሉ ሰዓት መግለጺ ኣይሃበሉን።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ፋኖን ሚሊሻታትን ዝጸንሓ፣ ባህርዳርን ጎንደርን ዝርከብአን ሓያሎ ከተማታት ከምዝተቖጻጸርን፣ ፈሪሱ ዝነበረ ጸጥታ እተን ከተማታት ናብ ንቡር ከምዝተመልሰን ‘ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ ኣብ ካልእ ክፋል ክልል ኣምሓራ ግጭት ይቕጽልን ደብዳብ ድሮን ኣብ ዝተኻየደላ ከተማ ፍኖተ ሰላምን ካልኦትን ድማ ልዑል ወጥሪ ነጊሱ ምህላዉን መርበባት ዜና ኢትዮጵያ የመልክታ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0