ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ፣ ብናይ ብሄር ግጭት 17 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 02 May 2019

 

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ብሄር ግጭታት ብውሕዱ 17 ሰባት ከምዝተቐትሉ መርበባት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢረን።

በቲ ግጭት ሓያሎ ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፣ ብዝሑ ዘይተጠቕሰ መንበሪ ኣባይቲ’ውን ዓንዩ ኣሎ።

እቲ ግጭት፣ ብጭማራ፣ ካራን ካልእ ያታዊ ናይ ውግእ መሳርሒታትን ከምዝተኻየደ ዝሓበራ እተን መርበባት ቆልዑን ኣዴታታን’ውን እቶም ኣውራ ግዳያት ምዃኖም ኣተሓሳሲበን።

እቲ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ እታ ሃገር፣ ዞባ መተከል፣ ዳንጉር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተኸስተ ናይ ብሄር ግጭት፣ ብናይ ውልቀሰባት ባእሲ ዝተጎሃሃረ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

ይኹን’ምበር፣ ሓደ ኣባል ፖሊስ ዝርከቦም ሰባት፣ ነቲ ውልቃዊ ባእሲ ናብ ናይ ብሄር ግጭት ከምዝዓርግ ድሕሪ ምግባሮም፣ ናብ ሓያሎ ከባቢታት ክልሕም ከምዝኸኣለ ጸብጻብ ሪፖርተር የመልክት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብቲ ከባቢ ፈደራል ፖሊስ ድሕሪ ምልኣኹ፣ እቲ ግጭት ሃዲኡ ከምዘሎ ተጠቒሱ።

ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ሓደ ኣባል ፖሊስ ዝርከቦም 15 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0