ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢ ናይል እትሃንጾ ንዘላ ዲጋ ንምጥቃዕ ዝተወጠነ ስርሒት ኣፍሺለ ትብል

Radio Erena: 03 March 2017

Dam Eth

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ከባቢ ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ዝተወጠነ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸለት ምክትል ኣፈኛ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ጻድቕ ሓጎስ ዝተባህለ ምክትል ኣፈኛ መንግስቲ፣ ብ1 መጋቢት ንሬድዮ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝፈሸለ መጥቃዕቲ፣ ብኤርትራ ይድገፉ’ዮም ዝበለቶም ዕጡቓት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ቤንሻንጉል ዝተወጠነ ምንባሩ ኣመልኪቱ።

እቲ መጥቃዕቲ ንምፍሻሉ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት፣ ብውሕዱ 13 ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ’ውን ጠቒሱ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ብኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

መንግስታት ግብጽን ኤርትራን ንምህናጽ እቲ ዲጋ ንምትዕንቓፍ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕብሓብ ከምዝርከባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ይወቅስ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ብዛዕባ መርገጺ ኣብ ጉዳይ ናይልን ካልእ ዞባዊ ጉዳያትን ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ንምዝርራብ ናብ ካምፓላ ኣምሪሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ንተመሳሳሊ ዕላማ ናብ ካምፓላ ኣምሪሑ ምንባሩ ይዝከር።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0