ኢትዮጵያ፣ “ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ዕጡቓት’ዮም” ዝበለቶም 15 ሰባት ቀይዳ

Radio Erena: 24 April 2017

Ethio Gnbo

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ሰልጢኖም ዝበሎም 15 ኣባላት ዕጡቓት ተቓወምቲ ዶብ ድሕሪ ምስጋሮም ከምዝሓዘ ገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ብመንገዲ ማዕከናት ዜንኡ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቶም ብዓርቢ 21 ሚያዝያ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተታሕዙ ሰባት፣ ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ ታዕሊም ወሲዶም ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝሰገሩ ኣባላትግንቦት ሸውዓትን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ምዃኖም’ዩ ጠቒሱ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ብጠቕላላ 98 ሰባት ብተመሳሳሊ ክሲ ከምዝተታሕዙ እቲ መንግስቲ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብወገኖም እቶም ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ በብእዋኑ ዶብ ክሰግሩ ሒዘዎም ዝብልዎም ዘለዉ ሰባት፣ ብሕርሻን፣ ጉስነትን ንግድን ዝነባበሩ ተራ ዜጋታት እታ ሃገር ምዃኖም’ዮም ዝጣበቑ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምድጋፍን ምዕጥቓን ተቓወምቲ ሓድሕደን ከምዝወቓቐሳ ይፍለጥ።

 

ስእሊ፣ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0