ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ሓገዝ ቻይና ትሓትት

Radio Erena: 24 April 2017

Chi Er

ኣብ ቻይና ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፈጸመ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ንኽልዓለ መንግስቲ ቻይና ክጣበቐሉ ሓቲቱ።

እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ካብ 18 ክሳብ 22 ሚያዝያ ዘካየዶ ዑደት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጽኢ እታ ሃገር ዋንግ ዪ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ እቲ “ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተነብረ’ዩ” ዝበሎ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክልዓለ፣ ቻይና ግዴኣ ክትጻወት ተማሕጺኑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ብወገኑ፣ ሃገሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ናብ ዘተ ክወርድ ክትሓትት ምዃና እኳ እንተጠቐሰ፣ እቲ እገዳ ንኽልዓል ክትማጎት ብዛዕባ ምዃና ግና ኣየረጋገጸን።

መንግስቲ ኤርትራ ብጉዳይ እቲ ኣብ ሶማል ምስ ዝርከቡ ዕጡቓት ዝገብሮ ዘነበረ ምትሕብባርን ምስ ጅቡቲ ንዝነበሮ ምስሕሓብ ብሰለማዊ መንገዲ ንኸይፍታሕ ምሕንጋዱን፣ ኣብ 2009 ከምኡ ድማ ኣብ 2011 ክልተ እዋን እገዳ ባይቶ ጸጥታ ከምዝተነብረሉ ይዝከር።

ነቲ ናይ ኤርትራን ሶማልን ኩነታት ክከታተል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ጉጅለ፣ ወግዓዊ ጸብጻቡ ኣብ 30 ሚያዝያ ናብ ህዝቢ ከቕርብ’ዩ።

እቲ ጉጅለ ብ13 ሚያዝያ ምስ ኣባላት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ርክብ ከምዘካየደ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቦ መንበር ኮሚተ ባይቶ ጸጥታ እገዳ ኤርትራን ሶማልን ካዛኪስታናዊ ዲፕሎማሰኛ ካይራት ኡማሮቭ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ሓቢሩ’ዩ።

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ዘቕርቦ ወግዓዊ ጸብጻብ፣ ብዛዕቲ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ ክሽምቶ ፈቲኑ ዝተባህለ’ሞ ክልተ ግዜ ዝተታሕዘ ወትሃደራዊ ሬድዮ ርክባት ብዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከቕርብ ትጽቢት ኣሎ።

ምምሕዳር ዶናልድ ትራም፣ ኣብ 30 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ንባዕላ ኣብ እገዳ ካብ እትርከብ ሰሜን ኮርያ ወትሃደራዊ ሬድዮ ርክባት ንምሽማት ኣብ ልዕሊ ዝሃቀነ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ እገዳ ክትግበር ከምዝወሰነ ኣይርሳዕን።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0