ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቡራዩ ዝርከብ ንቑጣ ፖሊስ መጥቃዕቲ ቦምባ ተኻዪዱ

Radio Erena: 15 September 2019

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ፖሊስ ንቑጣ ብዝተኻየደ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፣ ብዉሑዱ ትሽዓተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

እቲ ኣብ ከተማ ቡራዩ ዝርከብ ንቑጣ ፖሊስ ዝተኻየደ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ብሓሙስ 12 መስከረም ምሸት ከምዘጋጠመ ተገሊጹ።

ክፍሊ ርክባት ምምሕዳር ኦሮሚያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር 22 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

እዚ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ዝኽበረሉ ዝነበረ እዋን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ፣ ብፍላይ ኣብ ከተማ ቡራዩ ንፈለማ እዋን ከምዘይኮነ ይግለጽ። ዝሓለፈ ዓመት ልክዕ ከምዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ብዝተራእየ ዓሌታዊ ግጭት ብውሑዱ 60 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም እዮም።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ 22 ሰባት ምስ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝደናገጹ እዮም ክብላ ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለወን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ይገልጻ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0