ኢትዮጵያ፣ ኣብ ምውህሃድ ተቓወምቲ ኤርትራ ክነጥፍ ዝጸንሐ ጀነራል ናብ ኣስመራ በጺሑ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ምውህሃድ ተቓወምቲ ኤርትራ ክነጥፍ ዝጸንሐ ጀነራል ናብ ኣስመራ በጺሑ

Radio Erena: 30 July 2018

Eritrean opposition in Ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ተቓወምቲ ኤርትራ ኣብ ምውህሃድ ክነጥፍ ዝጸንሐ ጀነራል መስፍን ኣማረ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣብ ኣስመራ ምብጻሕ ከምዝፈጸሙ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ጀነራል፣ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያን ብምዃን ናብ ኤርትራ ከምዘምርሐ እኳ እንተተገልጸ፣ ዕላማ ዑደቱን ኣብ ኤርትራ ምስ ዝተራኸቦም ሰበ ስልጣንን ኣይተነጸረን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተቓወምቲ፣ ብሰንኪ እዚ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ተቓወምቲን መጻኢ ዕድላቶም ኣብታ ሃገርን ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን።

 

ይኹን’ምበር ንጥፈታቶም ከደስክሉ ተሓቢርዎም ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይእንፍቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0