ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን እታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ምክፍፋል ናብ ጎነጽ ከየምርሕ ተሰጊኡ

Radio Erena: 06 February 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን እታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ምክፍፋል ናብ ጎነጽን ናዕብን ከይዓርግ ተሰጊኡ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት እታ ሃገር ይሕብሩ።

እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል፣ ክልል ኦሮምያ ናይ ገዛእ ርእሳ ጳጳሳትን ሲነዶስን ክህልውዋን ስብከታትን ቃለ ቡራኬን ድማ ብቋንቋ ኦሮምያ ጥራይ ክካየድ ድሕሪ ዝተወስደ ውሳኔ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብቲ ክልል ዝጸንሑ ተወላዶ ክልል ኣምሓራ ዝኾኑ ጳጳሳት ክእለዩ እትሓትት ዘላ ጨንፈር ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክልል ኦሮምያ፣ ናይ ገዛ ርእሳ ጳጳሳትን ሲኖዶስን ምሻማ፣ ንምክፍፋል ዝዕድም ምዃኑ ሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት የጠንቅቑ።

እታ ኣብ ክልል ኦሮምያ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ዝወሰደቶ ጳጳሳት ናይ ምሻም ስጉምቲ፣ መፈንቅለ ሲኖድስ’ዩ ክትብል ቤተክርስትያን እታ ሃገር ተቓውሞኣ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።

እቲ ምክፍፋል ናብ ጎነጽን ናዕቢን ከምርሕ ከምዝኽእል ኣብ ዝስግኣሉ ዘሎ እዋን፣ ኣርሲ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ከተማታት ክልል ኦሮምያ ዝርከቡ ጳጳሳት፣ መንግስቲ ምእንቲ ድሕነቶም የውጽኦም ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

እንተኾነ፣ ሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ካብ ዘለውዎ ቦታ ከምዘይንቀሳቐሱን ክሳብ ንሞት ድልዋት ምህላዎም ይሕብሩ ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ምክፍፋል ናብ ሓደገኛ ኣንፈት የምርሕ ምህላዉ ብምትሕስሳብ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ብመሰረት ኣዕኑድ-እምነት ናይታ ቤተ ክርስትያን ፍልልያቶም ብዘተን ሰለማዊ መንገዲን ክፈትሑ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ብሄር ምክፍፋልን ግጭታትን ብሽምግልናን ዕርቂን መራሕቲ ሃይማኖት ክዓርፍ ዝግብኦ ክነሱ፣ ጳጳሳት ዝርከብዎም መራሕቲ ኣውራ ጠንቂ እቲ ግጭት ክኾኑ ምርኣይ ዘሕዝን ክስተት ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን፣ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝተወልዐ ግጭት፣ ኣብ ክንዲ ንዕርቂን ሰላምን እትጽውዕ፣ ንኵናት ትጉስጉስ ምንባራ’ያ ትንቀፍ።

ፓትርያርክ ናይታ ቤተ ክርስትያን፣ ኣቡነ ማትያስ፣ ነቲ ኵናት ኣብ ዝኾነንሉ፣ እቲ ዝሃብዎ መግለጺ ናይ ውልቆም ደኣ’ምበር ናይታ ቤተ ክርስትያን ከምዘይኮነ፣ ሲኖዶስ ሓቢሩ ኔሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብጉዳይ ውሳኔ ቤተክርስትያን ክልል ኦሮምያ ተገማሚዑ ዝርከብ ሲኖዶስ፣ ጉዳዩ ብዘተን ምርድዳእን ክፈትሕ እንተዘይክኢሉ፣ ብፍላይ ኣብ መንጎ ተወለድቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ዝኾኑ ኣመንቲ፣ ነባሪ ጽልእን ቅርሕንት ዝዕድም፣ ደም ምፍሳስ ከስዕብ ከምዝኽእል’ዩ መጠንቀቕታ ዝቐርብ ዘሎ።

ብ04 ለካቲት፣ ኣብ ከተማ ሻሽመኔ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝተወልዐ ግጭት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንቲን ዝወረደ ጉድኣት ሓደ ኣብነት ናይዚ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ይገልጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፣ ከባቢ ጎቡ በዩ፣ ብ2 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝተቐትሉ ራድዮ ዶቸ ቬለ ገሊጻ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፣ ኣብቲ ክልል፣ ዞባ ቀለም ወለጋ፣ ከባቢ ደምበዲሎ፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኦሮሞን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲን ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ ከምዝተኻየደ እታ ራድዮ ሓቢራ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0