ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ጓሶት ብዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 27 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 06 February 2023

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ዞባ ካጆ ኬጂ፣ ኣብ መንጎ ጓሶት ብዝተወልዐ ግጭት ብውሕዱ 27 ሰባት ከምዝተቐትሉ ንኮሚሽነር እቲ ዞባ፣ ፋኒኤል ዱሞ ብምጥቃስ መርበብ ዜና ሞኒተር ሓቢሩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ዝተኣኻኸቡ፣ ጠበናጁ ዝዓጠቑ ጓሶት፣ ብ2 ለካቲት፣ ሊካመሮክ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ‘ዩ ሞት 21 ሓረስቶትን 6 ጓሶትን ኣጋጢሙ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጓሶት ካብ ዓሌት ቦር ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝጠቐሰ ጸብጻብ እቲ መርበብ ዜና እቶም ግዳያት ድማ ካብ ቀቢላ ኑዌር ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ኣቐዲሙ፣ መንነቶም ዘይተነጸሩ ዕጡቓት፣ ብዓሌት ቦር ንዝውነና ሓያሎ ከብትን ጤሌበጊዕን ከምዝቐተሉን፣ ዓሌት ቦር ድማ ተወዳዲቦም ሕነ ከምዝፈደዩ ኣፈናዊ መጽናዕቲ መንግስቲ የመልክት።

ኣብቲ ከባቢ፣ ክልቲኦም ቀቢላታት ከምዝነብሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብመጋሃጫን ዝምታ ከብትን ጤሌበጊዕን ተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ከምዘካይዱ ይፍለጥ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0