ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ብሄራት ኦሮሞን ሶማልን ጎነጽን ምትፍናን ይጎሃሃር ምህላዉ ተገሊጹ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ብሄራት ኦሮሞን ሶማልን ጎነጽን ምትፍናን ይጎሃሃር ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 18 July 2018

Ethio regional map

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ብሄራት ኦሮሞን ሶማልን ጎነጽን ምትፍናንን ይጎሃሃር ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

በቲ ግጭት ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰለን ክግለጽ እንከሎ፣ ኣብ ጥሪትን ንብረትን’ውን ከቢድ ጉድኣትን ዕንወትን ወሪዱ ኣሎ።

እቲ ጸጸኒሑ ዝጎሃሀር ዘሎ ግጭትን ሰፊኑ ዘሎ ምትፍናንን፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ለውጢ ተበግሶታት፣ ንህዝብታት ኣምሓራን ኦሮሞን ጥራይ ዘማእከለ’ዩ ዝብል ስምዒታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ነጊስሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ ኣብቲ ካብ 12 ሓምለ ኣትሒዙ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ብረት ዝዓተቑ ተወላዶ ኦሮሞ ብውሕዱ ን50 ኣባላት ብሄረ ሶማል ከምዝቐተሉ ይወቕስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ፣ ነቲ ግጭት ንምህድኡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ከምዘይወሰዱ እቲ ንናጽነት ኦጋዴን ዝቓለስ ኦብነግ ብተወሳኺ ነቒፉ።

ብዝሒ ግዳያት ናይቲ ግጭት ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

ቀ/ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንፕረዚደንት ኤርትራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምፍናዉ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኮይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነቲ ግጭት ንምርግግኡ ንሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ትእዛዝ ምሃቡ እንተዘይኮይኑ፣ ብዛዕባ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ኣየነጸረን።

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዕጡቓት ኦሮሞን ኣምሓራን ነዚ ብቀ/ሚ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ሰላምን ደሞክራስን ጻውዒት ብምድጋፍ፣ ወኪላቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከእትዉ እንከለዉ፣ ዕጡቓት ክልል ሶማልን ግና ነቲ መስርሕ ገና ይከታተልዎ ከምዘለዉ’ዮም ዝገልጹ።

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ ኣስታት 300 ኣባላት ኦብነግ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ኣስመራ ኣኼባ ከምዘካየዱ ይፍለጥ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0