ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝወርድ ዘሎ ምፍርራህን ማእሰርትን ደው ክብል CPJ ጸዊዑ

Radio Erena: 16 April 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሄር ዝመንቀሊኡ ግርጭት ብሓድሽ ማዕበል ጀሚሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ፈደራልን ዞባውያን መንግስታትን፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝወስዱዎ ዘለዉ ስጉምታት ደው ከብሉ፣ ኮሚቴ ንምጥባቕ ጋዜጠኛታት ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ኒው ዮርክ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ብ14 ሚያዝያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ጥራይ ብውሑዱ 8 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ።
ብመንግስቲ ካብ ዝተኣስሩ 6 ጋዜጠኛታት፣ ነቲ ከም ሓድሽ ጀሚሩ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭት ኣጎሃሂርኩም ዝብል ክሲ ቀሪቡሎም ኣሎ።
ወኪል ሲ.ፒ.ጄይ. ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ሙቶኪ ሙሙ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ‘ምጉብዕባዕ፣ ምፍርራህን ምእሳርን ጋዜጠኛታት፣ ንኩነታት ሓንቲ ሃገር ኣብሪሁ ስለዘርእይ፣ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ’ ብምባል፣ ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ተበዲልና ዝብሉ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ዝወረደ ማህሰይቲ መርመራ ክገብር አዘኻኽር’ ኢላ።
ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ እውን፣ ንብሄርና ዘቆናጽብ ትሕዝቶታት ፈኒኹም ኢሉ ዝኸሰሶም ክልተ ጋዜጠኛታት ብምእሳር፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊኦም መጠናዊ ኣካላዊ ጉድኣት ከምዘውረዱሎም ተገሊጹ።
ስምምዕ ሰላም መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን ተፈሪሙ ተግባራዊ ንምግባሩ ከቢድ ጻዕሪ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭት፣ ብዝሓየለ መልክዑ ዝቕጽል ዘሎ ኣብ መንጎ ብሄራት ኣምሓራን ኦሮሞን እዩ።
ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ ዝርከቡ ዝበዝሑ ብተወላዶ ኣምሓራ ዝውነኑ ልዕሊ 3,400 ኣባይቲ ምሉእ ብምሉእ ዓንዮም ከምዘለዉ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር የመልክቱ።
ገለ ካብቶም ዝተቐየዱ ጋዜጠኛታት፣ ናይ መፈራርሒ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎም ነንገዝኦም እኳ እንተተፋነዉ፣ ምዕፋን ፕረስ ንደሞክራስያዊ ምስሊ ሓንቲ ሃገር ዝድውን ብምዃኑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ኣቓልቦ ክገብር ኮሚቴ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት የተሓሳስብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0