ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ኣል-ቡርሃንን ሕሚቲን ብዝተወለዐ ግጭት፣ ከተማ ካርቱም ትናወጽ

Radio Erena: 16 April 2023

ኣብ መንጎ ኣቦ ወንበር ላዕለዋይ ቆንስል ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን፤ ኣዛዚ ተወርዋሪ ሰራዊት ሓምዳን ዳግሎን ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ፤ ናብ ብረታዊ ጎንጺ ኣምሪሑ።
እቲ ቀዳም 15 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ዝጀመረ ምልውዋጥ ተኹሲ፤ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ካርቱም ከምዝጀመረ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ሓቢሮም።
ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃንን ሓምዳን ዳግሎን ‘ኣብ መን ውግእ ጀመረ’ ሓድሕድ ይወቓቐሱ ኣለዉ።
ኣል ቡርሃን ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፤ ተወርዋሪ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዝኡ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክብል ከሲሱ። ንሱ ብተወሳኺ ምስ ሸምስ ኣዲን ቃባሺ ብምዃን ኣድራሻኡ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ፤ ማእከላይ እዚ መስሪቶም ምህላዎም ሓቢሩ።
እዚ ዜና ናብ ፈነወ ክሳብ ዝኣተወሉ ግዜ፣ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ተወርዋሪ ሰራዊት ዝጸንሐ ኣገልግሎት ተለቪዥንን ራድዮን ብኡ ንብኡ ፈነወ ስለዘቋረጸ፤ ጽጹይ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ’ሎ።
መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ብወገኑ ንኣል ጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ‘ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ልዕሌና ተኹሲ ምኽፋቱ ኣሰንቢዱና’ዩ፤ ኣንጻር ኣሕዋትና ክንዋጋእ ድሌትና ኣይነበረን’ ብምባል ‘ኣል ቡርሃን ንምስግጋር ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክፍርም ድሉው ኣይነበረን’ ክብል ከሲሱ።
ቀዳም ምሸት እቲ ግጭት ናብ ካልእ ክፋል ከተማ ካርቱም ከምዝተላበዐ ዝገልጹ ካልኦት ምንጭታት፤ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብዝተገብረ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ፤ ኣብ ልዕሊ መንገዲ ኣየር ስዑዲ መጥቃዕቲ ወሪዱ።
እታ ነፋሪት ጉድኣት ክወርዳ እንከሎ፤ ተጓዓዝትን ኣብረርታን ግና ብኡ ንብኡ ናብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ከምዝተወስዱ ተገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0