ኢትዮጵያ፣ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ኮይና

Radio Erena: 03 January 2017

Ethio UNSC

ኢትዮጵያ፣ ሓንቲ ካብተን 10 ዘይቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ምዃና ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር ምስ ኢጣልያ፣ ሽወደን ቦሊቭያን ካዛኪስታንን ብምዃን’ያ መንበር ባይቶ ጸጥታ ተረኪባ ዘላ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ሃገራት ማለት፣ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ ቻይናን ሩስያን ዝቖመ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝቀያየራ 10 ዘይቀወምቲ ኣባላት ሃገራት ድማ ኣለዎ።

ንኣንጎላ ብምትካእ ኣባል እዚ ባይቶ ኮይና ዘላ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት፣ ንኣፍሪቃ ካብ ዝወከላ ሰለስተ ሃገራት ሓንቲ ክትከውን’ያ።

ኢትዮጵያ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ንኽትከውን ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ምርጫ፣ ካብ 190 ሃገራት ናይ 185 ሃገራት ድጋፍ ብምርካብ’ያ።

ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተሓቑፈ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ናብ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ካልኦትን፣ ካብ ዘዋፈራ ሃገራት ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ታሪኻ ኣባል ዘይቀዋሚት ባይቶ ጸጥታ ክትከውን እዚ ንሳልሳይ እዋና’ዩ።

ኣብ 1967፣ 1989 ከምኡ ድማ ኣብ 2017 ዘይወዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን’ያ ዘላ።

ናይዚ ዓመት’ዚ 10 ዘይቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ሰኔጋል፣ ኢጣልያ፣ ሽወደን፣ ቦሊቭያ፣ ኡራጋይ፣ ዩክሬን፣ ካዛኪስታንን ጃፓንን’የን።

ኬንያን ሺሸልስን፣ ነዚ መንበር እዚ ክወዳደራ ተቐሪበን እኳ እንተነበራ፣ ኣብ ጥሪ 2016 ከምዝሰሓባ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0