ኢትዮጵያ፣ ኣስታት 6 ሽሕ እሱራት ብምሕረት ተፈቲሖም

ኢትዮጵያ፣ ኣስታት 6 ሽሕ እሱራት ብምሕረት ተፈቲሖም

Radio Erena: 13 February 2018

ethiyo

መንግስቲ ኢትዮጵያ ጀሚርዎ ብዘሎ እሱራት ብምሕረት ናይ ምፍታሕ መስርሕ ብምቕጻል፣ ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም ብኽሲ ሽበራ ተቐይዶም ዝጸንሑ ኣስታት 746 ሰባት ክለቅቕ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ቲ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ህዝባዊ ናዕብታት፣ ክፉት ፖለቲካዊ ዘተ ንምትብባዕ፣ ካብ ወርሒ ጥሪ 2018 ጀሚሩ፣ መራሕቲ ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፣ ወደብቲ ኣድማን ናዕብን ከምኡ’ውን ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም ኣስታት 6 ሽሕ እሱራት ከምዝፈትሐ ሮይተርስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ፖሊሲ ምኽታሉ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ደገፍን ምትብባዕን ረኺብሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ምስ ገለ ክፋል ናይቲ ብሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ’ውን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ተጸሚዱ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝካየድ ዘሎ ዕጹው ዘተ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተጀመረ ርክብ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፣ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብ ክልተ ብምግማዕ፣ እቲ ሓደ ክፋል ቃልሱ ብፖለቲካ ንምቕጻሉ ብረቱ ከውርድ እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ ክፋል ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0