ሱዳንን ኩዌትን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክገብራ ተሰማሚዐን

ሱዳንን ኩዌትን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክገብራ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 13 February 2018

sudan kuwait

ሱዳንን ኩዌትን ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክተሓጋገዛ ዘኽእለን ስምምዕ ከምዝኸተማ ኣገልግሎት ዜና ኩዌት ሓቢሩ።

እዘን ክልተ ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝኸተማ ብሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኩዌት ሊዩተናት ጀነራል መሓመድ ኣል ኩህደር ዝመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኩዌት ኣብ ሱዳን ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን’ዩ።

እቲ ጀነራል ብ10 ለካቲት ናብ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ሊዩተናት ጀነራል ዒማድ ኣል ዲን ዓዳዊንን ካልኦት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሱዳንን ብምርኻብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብዛዕባ ዝህሉ ወትሃደራዊ ሓገዛት ተመያይጡ።

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኩዌት፣ ብ11 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ምምራቕ ወትሃደራውያን መኮንናት ሱዳንን ኩዌትን’ውን ተሳቲፉ።

ኣብ ሱዳን፣ 135 ወትሃደራውያን መኮንናት ኩዌት ክስልጥኑ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0