ኢትዮጵያ፣ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ካብ ፈረንሳ ንምሽማት ዘቕረበቶ ዝርዝር ተቓሊዑ

Radio Erena: 18 November 2019

ማዕከን ዜና ለ ፑዋ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዝተፈላለየ ኣጽዋር ካብ ፈረንሳ ንምሽማት ዘቕረበቶ ዝርዝር ኣቃሊዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ናብ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ዝልኣኾ ዝርዝር ኣጽዋር ዝሓዘ ሰነደ፣ ራፋል ዝዓይነተን ዝተራቐቓ ነፈርቲ ውግእ፣ ሄሊኮፕተራትን ሚሳይላትን ዘጠቓለለ ምዃኑ እቲ ናይ ፈረንሳ ማዕከን ዜና ኣብ ናይ 17 ሕዳር ሕታሙ ኣስፊሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብቲ ብ22 ሓምለ ዝልኣኾ ዝርዝር ሸመተ ኣጽዋር፣ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንምዕባይ ሓገዝ ፈረንሳ ምሕታቱ ኣነጺሩ።

ብመሰረት ኣብቲ ሰነደ ቀሪቡ ዘሎ ዝርዝር፣ ኢትዮጵያ፣ 12 ራፋልን ሚራዥን ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ፣ 18 ሄሊኮፕተራት፣ 2 ወትሃደራውይን መጓዓዝያ ኤየርባስ፣ 10 ዳሱ ሰብ ኣልቦ በረርቲ፣ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ራዳር መቖጻጸሪ ከምኡ ድማ 6 ሽሕ ኪሎሜተር ክጉዓዝ ዝኽእል M51 ዝዓይነቱ 30 ሚሳይላት ዝርከቦ’ዩ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ’ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ደብዳቢኡ፣ ኑክሌራዊ ኣጽዋር’ውን ኣብቲ ዝርዝር ኣስፊሩ ይርከብ።

ካብ ድኽነት ክትገላገል ዘይክኣለ ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 4 ቢልዮን ዝግመት ዝርዝር ተኽእሎ ሸመተ ኣጽዋር ናብ ፈረንሳ ምቕራባ፣ ዘገርም ፍጻሜ’ዩ ክብል እቲ ማዕከን ዜና ትንታነኡ ሂብሉ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፣ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ንግዲ፣ ወፍርን ወትሃደራዊ ዘተኮረ ስምምዓት ምኽታሙ ይዝከር።

ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደረግን ናጽነት ኤርትራን ዝተበታተነ ሓይሊ ባሕራ፣ ብሓገዝ ፈረንሳ ዳግም ንምብርባር መደብ ከምዘለዋ’ውን ብወግዒ ኣፍሊጣ’ያ።

ነዚ ንምስልሳል፣ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ናብ ዝርከብ፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደበራት ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ከምዝበጽሑ ብእዋኑ ተቃሊሑ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0