ብራስለስ፣ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ጂቡቲ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት ገለ ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 18 November 2019

ኣብ ቤልጁም ዝርከቡ ዜጋታት ጂቡቲ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም 10ታት ዝኾኑ ሰልፈኛታት፣ ኣብ ከተማ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ኤምባሲ ጂቡቲ፣ ብቀዳም 16 ሕዳር ኣብ ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ኣብታ ሃገር ተኣሲሩ ዝርከብ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ካኮ ሑመድ ክፍታሕ’ውን ጸዊዖም።

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ብማሕበር ተወላዶ ዓፈር ዝኾኑ ዜጋታት ጅቡቲ ከምዝተወደብ ማዕከናት ዜና ካብ ብራስለስ ሓቢረን።

ሓይልታት ጸጥታ ጁቡቲ፣ ካኮ ሑመድ ንዝተባህለ ተወላዲ ዓፈር ዝኾነ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብ31 ጥቅምቲ፣ ኣርሂባ ካብ ተባህለ ቦታ ዓፊኖም ድሕሪ ምውሳዶም፣ ኣብቲ ከባቢ ንክልተ መዓልታት ናዕብን ዕግርግርን ከምዝተኻየደ ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

ፖሊስ፣ ነቲ ናዕብን ዕግርግርን ንምብታን ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ብውሕዱ 15 ሰባት ምቑሳሎም ይዝከር።

ኣብ ጅቡቲ፣ ብብሄር ሶማል ዒሳ ዝተዓብለለ መንግስቲ’ዩ ዘሎ ዝብል ስምምዒታት ተወላዶ ብሄር ዓፈር ከምዘሎ ብሰፊሑ ይግለጽ።

እቲ ብ1ን 2ን ሕዳር ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ናዕቢ’ውን፣ ኣውራ መበገሲኡ፣ ኣብ ከባቢ ኣርሂባ ዝርከቡ፣ ተወላዶ ብሄር ዓፈር ዝኾኑ መንእሰያት፣ ኣንጻር እቲ ካብ ብሄር ሶማል ዒሳ ዝኾነ ፕረዚደንት እሳዒል ዑመር ገለ ዝቀንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ንምውዳብ ኣብ ዝወጠንሉ እዋን ከምዝተጎሃሃረ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር የረድኡ።

=========

COMMENTS

WORDPRESS: 0