ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራን ጅቡቲን ንምትዕራቕ ትሰርሕ ከምዘላ ተገሊጹ

ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራን ጅቡቲን ንምትዕራቕ ትሰርሕ ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 01 August 2018

Ambassador Tekeda Alemu

ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራን ጅቡትን ንምትዕራቕ ትሰርሕ ከምዘላ፣ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብ ኣምባሳደራ ንባይቶ ጸጥታ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ተቀዳ ኣለሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ድማ መንግስታት ኤርትራን ሶማልን ተጀሚሩ ዘሎ ስምምዓትን ዝምድናታት ናብ ንቡር ናይ ምምላስን መስርሕ፣ ኣብ ዞባና ቅልጡፍ ናይ ምትሕግጋዝን ጸጥታን ምዕባለታት ይርአ ምህላዉ ኣዘኻኺሩ።

ምእንቲ ጸጥታን ሰላምን እቲ ዞባ ክትብል ኢትዮጵያ፣ ንዝምድና ጅቡትን ኤርትራን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝከኣላ ክትሰርሕ ምዃና እቲ ኣምባሳደር ጠቒሱ።

ኢትዮጵያ ወሲዳቶ ዘላ ተበግሶ፣ ኣብ ዞባና ትንጸል ሃገር ከይትህሉ’ዩ ዝበለ እቲ ኣምባሳደር፣ ዝምድና ጅቡትን ኤርትራን ናብ ንቡር ምምላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ጅቡቲ፣ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዘሰሓሕብ ጉዳይ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ክፍታሕ ከምእትደሊ፣ ኣምባሳደራ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ድሕሪ ዝተበጽሐ ምርድዳእ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኤርትራ ካብ ተነጽሎ ንምውጽኣ ናብ ንጡፍ ኣባልነት ኢጋድ ክትምለስ፣ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል፣ ምስ መንግስቲ ሶማል ዝምድና ምምስራት ዝብሉን ካልኦት ጉዳያትን ይደፍኣሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0