ኢትዮጵያ፣ ንኣዋርሕ ዝቐየደቶም ግብጻውያን ትለቕቕ፣ ን10 ዓመታት ዝቐየደቶም ክልተ ኤርትራውያን ክትፈትሕ ድማ ምሕጽንታ ይቐርብ

Radio Erena: 16 January 2017

KIdane Gama

ኢትዮጵያ፣ ብጥርጠራ ስለያን ምትሕብባር ምውላዕ ናዕብን ንኣዋርሕ ቀይዳቶም ዝጸንሐት ሰለስተ ግብጻውያን ናጻ ከምዝለቐቐቶም ሚኒስትሪ ጉዳያት ግብጺ ኣፍሊጡ።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ናጻ ዝወጹ ሰለስተ ግብጻውያን፣ ካይሮ ኣብ ዝኣተውሉ፣ ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከምዝተቐበልዎም ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

ግብጺ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተቐይዶም ዝጸንሑ ሰለስተ ዜጋታት ንኽፍትሑ ከተካይዶ ድሕሪ ዝጸንሐት ናይ ኣስታት ሓደ ወርሒ ጻዕሪ ብናጻ ክፍትሑ ከምዝኸኣሉ’ዩ መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዘመልክት።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተጎሃሃር ህዝባዊ ናዕብን ተቓውሞን፣ ምትእትታው ናይ ግብጽን ኤርትራን ኣለዎ ዝብል እምነት ከምዘለዋ ብወግዒ ከምዝገለጸት ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ እዋን’ቲ ናዕቢ ኣብታ ሃገር ንዝጸንሑ ሰለስተ ግብጻውያን ብጥርጠራ ስለያን ምትሕብባር ምውላዕ ናዕብን ከምዝቐየደት ኣይርሳዕን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዘይዝኾነ ደሃይ ንሓያሎ ዓመታት ቀይድዎም ዘሎ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ክለቕቕ ሓይልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ተማሕጺኑ።

እቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ ነቶም ኣብ 2006 ናብ ሶማል ዝተዋፈሩ’ሞ፣ ዶብ ኬንያ ድሕሪ ምስጋሮም፣ ኬንያ ናብ ኢትዮጵያ ዘረከበቶም ሳልሕ ጋማን ተስፋልደት ኪዳነን ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፣ 10 ዓመት ደሃይ ከምዘይብሎም ኣተሓሳሲቡ።

ኢትዮጵያ፣ ነዞም ኣብ እዋን እስላማዊ መጋበኣያታት ሶማል ናብታ ሃገር ዝወፈሩ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፣ ምስ ኣሸበርቲ ብምትሕብባር ዝብል ክሲ ተቕርበሎም እኳ እንተነበረት፣ ጉዳዮም ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ዶ ኣይተኸተለን ግና ዝፍለጥ ነገረ የለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ክሲ ዝቐየዶም፣ ብኦጋዴን ዝኣተዉ ክልተ ሽወደናውያን፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመትን መንፈቕን ምሕረት ክገብረሎም እንከሎ፣ ነቶም ኤርትራውያን ግና ንኣስታት 10 ዓመታት ብዘይደሃይ ሒዝዎም ምህላዉ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0