ሕ/ኤውሮጳ፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን 22 ሃገራት መንገዲ ኣየር ናብ ክሊ ኣየሩ ከይበራ ዝእግድ ውሳኔ ኣናዊሕዎ

Radio Erena: 16 January 2017

Erilines

ኣገልግሎት ኣቭየሽን ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን 22 ሃገራት መንገዲ ኣየር ናብ ክሊ ኣየር ኤውሮጳ ከይበራ ዝእግድ ውሳኔ ኣናዊሕዎ።

ኣብ ድሕነት ተጓዓዝቲ መንገዲ ኣየር ዝከታተል ኮሚተ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ካብ 22 ክሳብ 24 ሕዳር 2016 ብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ጉዳይ ናይተን ናብ ክሊ ኣየር ኤውሮጳ ከይበራ ኣጊዱወን ዝጸንሐ ሃገራት ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምምርማር’ዩ፣ ኤርትራ እትርከበን 22 ሃገራት ናብ ኤውሮጳ ከይበራ ዝእግድ ውሳኔ ዘሐደስ ዘሎ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ Airbus A320ዝዓይነታ ነፋሪት ካብ ኣርመንያ ብኽራይ ብምምጻእ ናይ ኤውሮጳ በረራታት ንምጅማር ውጥን ከምዝነበሮ’ዩ ዝግለጽ።

ናብ ኤውሮጳ ከይበራ ተኣጊደን ካብ ዘለዋ 22 መንገድታት ኣየር፣ እተን ሰለስተ ማለት ኤርትራ፣ ሱዳንን ጅቡቲን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ’የን።

ሰንከልከል እናበለ ዝቕጽል ዘሎ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል ኣቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2016 ዳግም በረራታት ከምዝጀመረ የወዓውዕ እኳ እንተሎ፣ ብዘይካ ናብ ውሱን ከባቢታት ናብ ኤውሮጳ ክበርር ኣይክእልን’ዩ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ኣብ እዋን ክራማት ካብ ኤውሮጳ ናብ ኤርትራ ንዝገሹ ኤርትራውያን ዝዓለመ፣ ናይ ኤውሮጳ በረራታት ንኸካያድ ፍቓድ ንምርካብ ዘቕርቦ ዝነበረ ጠለባት ብ ኣቭየሽን ሕብረት ኤውሮጳ ብተደጋጋሚ ተነጺጉ’ዩ።

ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ናብ ኣስመራ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዝጀመራ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛን ካልኦትን’ውን በብእዋኑ ብሰንኪ ክሳራታት ደው ከብላ ከምዝተገደዳ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብን ናብን ኤውሮጳን ኣስመራን ዝሓሸ ናይ በረራ መስመር መንገዲ ኣየር ቱርኪ’ዩ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0