ኢትዮጵያ፣ ንብረቶም ዝዓነዎም ሰባት፣ ረዲኤት ክግበረሎም ጸዊዖም

Radio Erena: 16 July 2020

ብዓሌታዊን ቀቢላዊን ግጭታት እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ’ዚ ብሓድሽ ማዕበል ተሲኡ ዘሎ ናዕቢ፣ ንብረቶም ዝዓነዎም ሰባት፣ ረዲኤት ክግበረሎም ጸዊዖም።

ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ኣብ ዝዝርግሖኦ ዘለዋ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ኣብቲ ብሰላማዊ ሰልፊ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ናብ ምሉእ ሕንፍሽፍሽ ዘምረሐ ናዕቢ፣ ሆቴላትን ዓበይቲ ትካላትን ዝርከቦም ንብረት ዓንዩ እዩ።

እቶም ካብ እንጀራ እንዳሸጣ ዝመሓደራ ኣዴታት ክሳብ ወነንቲ ዓበይቲ ህንጻታት ተጎዲኦም ዘለዉ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ቅልጡፍ ረዲኤት እንተዘይገይሩሎም ኣብ ጎደናታት ክድርበዩ ምዃኖም ይገልጹ።

ብፍላይ በዚ ናዕቢ ኣዝዩ ዝተጠቕዐ ከም ሻሸመኔ፣ ዝዋይን ኣርሲን ዝርከቦ ከባቢታት፣ ኣባይቶም ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ ኣብ ግዚያዊ መጽለሊ ተዓቚቦም ናይ ዘለዉ ነበርቲ፣ ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይረኺቦም፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ብሚልዮናት ዝቑጸር ብውሽጣዊ ምምዝባል ተጠቒዑ ዝጸንሐ ህዝቢ፣ ተወሳኺ ጾር ከምዝኾኑ ዝተፈላለዩ ወገናት የጠንቑ።

ኣብዚ ዓሌታዊ ግጭት፣ ኣባይቲን ትካላት ንግዲን ጥራይ ዘይኮኑ፣ ትካላት ጥዕና፣ ባንክታት፣ ቤት ትምህርታት ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ህንጻታት እውን ዓንዮም ኣለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0