ኢትዮጵያ፣ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዕድመ ስልጣን ንክልተ ሓሙሽተ ዓመት ክኸውን ዘጽድቕ ሕጊ ትነድፍ

ኢትዮጵያ፣ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዕድመ ስልጣን ንክልተ ሓሙሽተ ዓመት ክኸውን ዘጽድቕ ሕጊ ትነድፍ

Radio Erena: 29 April 2018

abኣብ ኢትዮጵያ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዕድመ ስልጣን ንክልተ ሓሙሽተ ዓመት ክኸውን ዘጽድቕ ሕጊ ይንደፍ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ብዓርቢ 27 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ንዝተኣከቡ ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን መራሕቲ ኣብ ዝሃቦ መደረ፣ ሃገራዊ ቅዋም ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ንክልተ እዋን ጥራይ ክምረጽ ዘርቅቕ ሕጊ ይንደፍ ከምዘሎ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንምምዕባልን ብልሽውና ንምቁጽጻርን ኣገዳሲ ግደ ስለዝጻወት ዕድመ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ድሩት ክኸውን ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

ከምዝፍለጥ ፖለቲካዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ክብሪ ስልጣን ጥራይ ዝውንን ፕረዚደንትነት ናይ ክልተ እዋን ምርጫ ከፍቅድ እንከሎ፣ ምሉእ ፖለቲካዊ ስልጣን ንዝውንን ቀዳማይ ሚኒስተር ግና ንዘይተወሰነ እዋን ክምረጽ ዘፍቅድ እዩ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0