ኤርትራ፣ ብናጽነት ፕረስ ንተኸታታሊ 10 ዓመታት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ

ኤርትራ፣ ብናጽነት ፕረስ ንተኸታታሊ 10 ዓመታት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ

Radio Erena: 27 April 2018

RSF

ኤርትራ፣ ብናጽነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት ከምእትስራዕ ሓድሽ ጸብጻብ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣመልኪቱ።

እቲ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ካብ 180 ሃገራት ዓለም፣ ኤርትራ፣ ንሰሜን ኮርያ ጥራይ በሊጻ፣ ኣብ መበል 179 ከምእትስራዕ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኣፍሪቃ’ውን ብናጽነት ፕረስ ድሕሪ ኩለን ሃገራት ተሰሪዓ እትርከብ ኤርትራ፣ ጋዜጠኛታት ብምእሳርን ሃለዋቶም ብምጥፋእን ግኑን ስም’ዩ ዘለዋ።

ብፍላይ ኣብ2001፣ ዝተኣስሩ ብውሕዱ 11 ጋዜጠኛታትን ኣሰናዳእቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን፣ ካብ ዝተኣስሩላ ዕለት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ 17 ዓመታት ዝኾነ ደሃይ ከምዘይብሎም ይፍለጥ።

ኣብዚ ናይ 2018 ጸብጻብ፣ ብደረጃ ዓለም እታ ዝበለጸ ናጽነት ፕረስ ዘለዋ ሃገር ነርወይ ክትከውን እንከላ፣ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 23 ተሰሪዓ ዘላ ጋና ከኣ ብደረጃ ኣፍሪቃ እታ ዝሓሸት’ያ ተባሂላ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0