“ኢትዮጵያ፣ ናብ ዝበኣሰ ዓዘቕቲ ኵናት ሓድሕድ ትሽመም ኣላ።” ተሓጋጋዚት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ፖለቲካ

Radio Erena: 10 November 2021

ኢትዮጵያ፣ ናብ ዝበኣሰ ዓዘቕቲ ኵናት ሓድሕድ ትሽመም ኣላ ክትብል ተሓጋጋዚት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ፖለቲካን ምህናጽ ሰላምን፣ ሮዝመሪ ዲ ካርሎ ኣጠንቂቓ።

ንሳ፣ ኣብ ኵናት ትግራይን ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ኣመልኪታ፣ ብሰኑይ 08 ሕዳር ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዓቶ ቃል፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ሰሙናት ከጋጥም ብዛዕባ ዝኽእል ፍጻሜታት ዝተፈላለየ ትንታነታት ይወሃቦ እኳ እንተሎ፣ ኣብዛ ልዕሊ 90 ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ዝሓቖፈ ኣስታት 110 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋን 80 ቋንቋታት ድማ ዝዝረበላን ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ኵናትን ምፍራስ ጸጥታን ዝህልዎ ሳዕሜን ንምግማቱ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ተጻባዩ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፣ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ 400 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ኣብ ናይ ዓጸቦ ኩነታት ከምዝነብር ኣተሓሳሲባ።

ናብ ትግራይ፣ ውሑድ መጠን ዘለዎ መግብን መሰረታዊ ነገራት ንምብጻሕ እኳ እንተተኻእለ፣ ረዲኤት ብስሩዕ ካብ ዘይኣቱ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ኣሎ ክትብል’ውን እታ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሕቡራር ሃገራት ኣገንዚባ።

ጽልውኡ ናብ መላእ ኢትዮጵያ ልሒሙ ዘሎ ኵናት ትግራይ፣ ተጻብኦታት ደው ብምባል፣ ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒታት ይቐርብ እኳ እንተሎ፣ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኵናት ክቕጽል ምዃኑ’ዮም ገሊጾም።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሶጉን ኦባሳንጆን ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፣ ማርቲን ግሪፍትስን ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ናብ መቐለ ብምቕናዕ፣ ምስ ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘተ ከካይዱ እኳ እንተኸኣሉ፣ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ይኹን ምዕባለታት ብዝምልከት ግና ብዝርዝር ኣይተጠቕሰን።

ምስ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ልፍንቲ መስሪቱ ዘሎ ህወሓት፣ ሓይልታት ትግራይ ብምምራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባን ንወደብ ጁቡቲ ምስታ ከተማ ናብ ዘረኻብ ስትራቴጃዊ ከባቢታት ሚለን ንምቑጽጻር መጥቃዕታቱ ይቕጽል ከምዘሎ ይግለጽ።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ክበጽሑ ኣስታት 200 ኪሎሜተር ከምዝተረፎም ዝንገረሎም ሓይልታት ትግራይ፣ ብወገን መስመር ወደብ ጂቡቲ ኣዲስ ኣበባ ንዘሎ መስመር ሚለ ንምቑጽጻር ዘካይድዎ ዘለዉ ገስጋስ ገና ኣይተፈልጠን።

ብናይ ኣጋር ሰራዊት ከቢድ ስዕረታት ይወረዶ ከምዘሎ ዝንገረሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢታት ዓፈርን ኣምሓራን ንዝርከብ ደጀናት ሓይልታት ትግራይ ብነፈርቲ ከምዝደብደብ ገሊጹ ኣሎ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0