መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ‘ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ’ 16 ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣሲሩ

Radio Erena: 10 November 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር ብኣልማማ ኣብ ዝኣስረሉ ዘሎ እዋን፣ ብውሕዱ16 ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎም ተሓቢሩ።

እቶም ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኣስሩ ዝሓበረ ኣፈኛ ናይቲ ኣህጉራዊ ውድብ፣ ስቴፋን ዱጃሪች፣ ንምፍትሖም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራረቡ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ንሱ፣ እቶም ዝተኣስሩ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ተወላዶ ትግራይ ምዃኖም ኣይጠቐሰን።

ይኹን’ምበር፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ኣልማማ ግፋን ማእሰርቲን የካይዱ ከምዘለዉን እቶም ዝተኣስሩ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት’ውን ኣካል ናይዚ ምዃኖምን ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

እዚ ከምዚ’ ሉ እንከሎ፣ መራሕቲ ረዲኤት ኣብ ምምልላስ ተዋፊረን ናይ ዝጸንሓ ኣስታት 70 ዝኾና መካይን ውድብ መግቢ ዓለም፣ ኣብ ክልል ዓፈር ኣብ እትርከብ ከተማ ሰመራ ከምዝተኣስሩ ሮይተርስ ንመግለጺ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ሓይልታት ትግራይ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 250 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሒቑ ንዝርከብ ከባቢታት ኣጣየን ሮቢቲን ከምዝተቖጻጸሩ ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ እዋን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰሊኾም ንዝኣተዉ ዕጡቓት ትግራይን ኦነግን ንምህዳን ብዝብል፣ ጽዑቕ ተፍትሽን ማእሰርቲን የካይድ ከምዘሎ ኣይሓብአን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ብሓይልታት ትግራይን ኦነግን ኣብ ከበባ ክትኣቱ ትኽእል’ያ ካብ ዝብል ስግኣት፣ ዜጋታተን ካብታ ሃገር ብዝቐልጠፈ ክወጹ ዝጻዓ ዘለዋ ሃገራት እናበዝሓ መጺኤን።

ዛጊት ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ነርወይ፣ ፊንላንድን ዝርከብአን ሃገራት ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ክወጹን ናብዛ ብኵናት እትሕመስ ዘላ ሃገር ክገሹ መደብ ዘለዎም ድማ ዳግመ ግምት ክገብርሉን ኣተሓሳሲበ ኣለዋ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    mehari 2 years ago

    እቲዘገርምሲ ትርጉም ራድዮ ኤረና ስጋብ ሎሚ ብጀሐካ ሃገርዝሕምስ እምበር ሃገር ዘሕብር ሰሚዔ አይፈልጥን ራድዮ ኤረና ሽምኩምተትቅይሩምሐሸ ንአብነት ብዛዕባ ኤለትሪክ አነአብዘን ዝሐለፋአዋርሕዓዲኔረጀሪነተርሐደስቲ እየን ተሴረን ስለዝስ መንግስቲ ዝአክል ኮነ ኢሉ መብራህቲ ከምዘይከልእ አረጋጊጸ ናይ facebookሐቤሬታ አሚነ ስለዝነበርኩ ስለዚ ሐቂ ሐቤሬታ ሰማዕቲ የብዝ