ኢትዮጵያ፣ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ወዲቓ

ኢትዮጵያ፣ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ወዲቓ

Radio Erena: 04 September 2018

 ethi planecrash

 

ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ እትውነን ነፋሪት ወዲቓ ብምሕምሻሻ፣ 17 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

 እታ ብዕለት 30 ነሓሰ፣ ካብ ድሬዳዋ ተበጊሳ ናብ ደብረዘይት እትጎዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ሰዓታት ከባቢ ፍርቂ ለይቲ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ። 

 

ጠንቂ’ቲ ሓደጋ ብወግዒ ዝተገልጸ እኳ እንተዘየሎ፣ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ግና፣ እታ ነፋሪት ገና ኣብ በረራ እንከላ ሓዊ ትቃጸል ከምዝነበረት ናይ ዓይኒ ምስክርነቶም ሂቦም።

እታ ብሓይልታት ምክልኻል እትውነን ነፋሪት፣ ብበረራ 808 ዝተመዝገበት ኮይና፣ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ሸዋ ወዲቓ ኣብ ዝተሓምሸሸትሉ፣ ኣብረርታ እውን ከምዝሞቱ እዩ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ወረዳ ጥላሁን በቀለ፣ እታ ነፋሪት ሓደጋ ምስ ኣጋጠማ ኣብቲ ከባቢ ክትዓልብ ፈተነ ከምዝተገብረ፣ ንዘ ሪፖርተር ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0