ኢትዮጵያ፣ ነዳዲ ዘመላልሳ ቦጣት ተዓጽየን ቀንየን

ኢትዮጵያ፣ ነዳዲ ዘመላልሳ ቦጣት ተዓጽየን ቀንየን

Radio Erena: 13 January 2019

ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ጎንደር ናይ ኢትዮጵያ ብዝተራእየ ምፍጣጥ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ኣድመኛታትን፣ ነዳዲ ዘመላልሳ ቦጣት ተዓጽየን ከምዝቐነያ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እተን ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ 9 ጥሪ ኣትሒዘን ኣብ ከተማ መተማ ደው ክብላ ዝተገብራ ነዳዲ ዝጸዓና ቦጣት፣ ካብ ሱዳን ነዳዲ ዘመላልሳ ኮይነን፣ ብሰንኪ’ቲ ዝተላዕለ ግጭት ሓደጋ ከይወርደን ተባሂሉ ከምዝኾነ ሰበስልጣን ፐትሮልየም’ታ ሃገር ገሊጾም።

ምዕጋት ናይ’ዘን ቦጣት ነዳዲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጽረት ነዳዲ ከየስዕብ ተባሂሉ ዝፍራሕ ዘሎ፣ ብዙሕ ዘሻቕል ከምዘይብሉን ኣብዚ ቀዳመ ሰምበት ብሰራዊት ተዓጂበን ናብ ዝተመደበለን ቦታ ክንቀሳቐሳ ሙዃነንን እቶም ሰበስልጣን ይገልጹ።

ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ሕጽረት ነዳዲን ዘስዓቦ ህዝባዊ ናዕብን፣ ከቢድ ሳዕቤን ከምዘለዎ ዝገልጹ ወገናት እኳ እንተለዉ፣ ሱዳን ንውሽጣዊ ሃልኪ ትጽገም ትኸውን እምበር ንሰደድ እትልእኮ ነዳዲ ከምዘይጎደለ፣ ኣካያዲ ስራሕ ፐትሮልየም ኢትዮጵያ ይገልጽ።

ኢትዮጵያ 40 ሚእታዊት ካብ እተህልኾ ነዳዲ ካብ ሱዳን ዝኣቱ ኮይኑ፣ እቲ 60 ሚእታዊት ከኣ ካብ ፐትሮቻይና ዝተዓደገ ብወደብ ጂቡቲ ዝኣቱ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0