ቀ/ሚ ኣየርላንድ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ በጺሑ

ቀ/ሚ ኣየርላንድ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ በጺሑ

Radio Erena: 13 January 2019

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ በጺሑ።

ሊዮ ቫራድካር ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሳልስቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ንኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐረባ ተዓዚቡ።

ንሱ ድሕሪ ዑደቱ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ነቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብሩሉ ዘለዉ መዓስከር ብኣካል ምርኣዩ፣ ኣጠማምታኡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከምዝቐየሮ ገሊጹ።

ኣብ ኤውሮጳ ኮንካ ብማዕከናት ዜና ክትከታተሎን፣ ብኣካል ቀሪብካ ንኩነታት’ዞም ስደተኛታት ምዕዛብ ክልተ ዝተፈላለየ ነገራት’ዩ፣ ድሕሪ ምባል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሕብረት ኤውሮጳ ብዓቢኡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘለዎ ፖሊሲ ክቕየር ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

ብፍላይ ነቶም ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ስደት ዘምርሑ ኤርትራውያን ረኺቡ ኣብ ዘዘራረበሉ፣ ሃገራት ኤውሮጳ፣ መንግስቲ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ናጽነትን ቁጠባዊ ምዕባለን ህዝቡ ንከረጋግጽ ለውጥታት ከካዪድ ክሰርሓ ኣለወን ኢሉ።

ቁጽሪ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን በብእዋኑ ክብ ለጠቕ ዝብል እኳ እንተኾነ እቲ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ጉዳይ ግና፣ ናይቶም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመን ህጻናትን ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0