ኢትዮጵያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተወኒኑ ዝጸንሐ10 ሚልዮን ዶላር ተታሒዙ

ኢትዮጵያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተወኒኑ ዝጸንሐ10 ሚልዮን ዶላር ተታሒዙ

Radio Erena: 24 July 2018

confisicated guns Ethኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ኣብ ዝተኻየደ ስርሒታት፣ 10 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዝተታሕዘ ንኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ፋና ሓቢሩ።

ብመሰረት’ቲ ዝተፈነወ ሓበሬታ፣ ነቲ ገንዘብ ሒዞሞ ዝጸንሑ ጥርጡራት’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብቲ ምስ ሓይልታት ጸጥታን ስለያን ብምውህሃድ ዝተኻየደ ስርሒት፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ጠበናጁ፣ ክልተ ማሺን ጋንን 80 ሽሕ ጠያይትን ከምዝተታሕዘ’ውን እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

እቲ ኣጽዋር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሱዳንን ጅቡቲን ዝኣተወ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ካፋ፣ ገዋታን ዴቻን ኣብ ዝተባህሉ ከባቢታት ብዝተጎሃሃረ ግጭት ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝርከብ ወፍሪታት ዕንወት ከምዝወረደ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

እቲ ግጭት፣ ናይ ምምሕዳር ሕቶታት ዘቕረቡ መንእሰያት፣ ሕቶታቶም ክምለሰሎም ብዘይምኽኣሉ ከምዝተወልዐ እቲ ምንጪ ንሓይልታት ጸጥታ ብምውካስ ጠቒሱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0