ወራሲ ዓራት ኣቡ ዳቢ፣ ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝልዓለ ክብሪ ሸሊሙ

ወራሲ ዓራት ኣቡ ዳቢ፣ ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝልዓለ ክብሪ ሸሊሙ

Radio Erena: 24 July 2018

Afewerki Ahmed

ወራሲ ዓራት ኣቡዳቢን ምክትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ንፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ሸሊሙ።

እቲ ብ24 ሓምለ ዝተዋህበ፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝልዓለ ክብሪ ዘለዎ ሽልማት ዛይድ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ንሰላም ዝወሰድዎ ተባዕ ተበግሶ ንምምጓስ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ።

ይኹን’ምበር ወራስ ዓራት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናይህያን፣ ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ዘተን ስምምዕ ሰላምን ክቐርቡ ከም መንጎኛ ኮይኑ ክሰርሕ ብምጽንሑ፣ እቲ ዝሃቦም ሽልማት መርኣያ ናይቲ ዝተዓወተሉ ዲፕሎማሲ ምዃኑ’ዩ ዝግልጽ ዘሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ስዕዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻም’ዩ ነቲ ካብ ወራስ ዓራት ኣቡዳቢ ዝተዳለወሎም ሽልማት ንምቕባል ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣምሪሑ።

ኣመሪካ ብመንገዲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩሉ ቅድመ ኩነታት ብምውንዛፍ ናብ ዘተ ሰላም ክቐርቡ ክትደፍእ ምጽንሓ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይወጸ ናብ ዘተ ከምዘይቀርብ ንልዕሊ 16 ዓመታት ክሕንግድ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ከይስሓበ ብሃንደበትን ብተብተብን ናብ ዝርርብን ዘተ ሰላምን ክጎዩ ይርአ ከምዘሎ’ዮም ዲፕሎማሰኛታት ዝገልጹ።

እዚ ድማ ባህርያት ናይቲ ብሓደ ሰብ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ዝበሉ እቶም ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣብ እዋን ኵናት ባድመ’ውን፣ ኣቐዲሙ ንዝነጸጎ እማመ ስምምዕ ኣመሪካን ርዋንዳን፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሓደ ሲሶ ክፋል ኤርትራ ድሕሪ ምቑጽጻሩ፣ ብዘይ ቅድመ ኩነት ሓድሽ ስምምዕ ከምዝኸተመ ኣዘኻኺሮም።

ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘይብላ ኤርትራ፣ ብድሌት ናይ ሓደ መራሒ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ፣ ንጽባሕ ዝህልዎ ውሕስነት ኣጠራጣሪ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ኤርትራውያን ትንታነታቶም ይህብሉ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0