ኢትዮጵያ፣ ብዕልቕልቕ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተፈናቒሎም

Radio Erena: 11 May 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዝወርድ ዘሎ ሓያል ዝናብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ልዕሊ 110 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ከምዘፈናቐለ ንኮሚሽን ባህርያዊ ሓደጋ እታ ሃገር ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ሓቢራ።

ብሰንኪ’ቲ ካብ መፋቕር ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ዝወርድ ዘሎ ዝናብ፣ ኣብ ክልላት ኦሮሞን ደቡብን ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱ ዘመልከተ ጸብጻብ ናይታ ጋዜጣ፣ 220 ሽሕ ዝግመቱ ዜጋታት መነባብርኦም ከምዝተጸልወ ኣገንዚቡ።

ብዘይካ’ዚ በቲ ባህርያዊ ሓደጋ፣ ልዕሊ 3 ሽሕ ሄክታር ሕርሻ ክበርስ እንከሎ፣ ልዕሊ 1200ጤለበጊዕን ኣግማልን ብውሕጅ ተወሲደን።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ግንቦት’ውን ሓያል ዝናብ ክወርድ ከምዝኽእል ትንበያ ሜትዮሮሎጂ ስለዘሎ ኣብ ሓያሎ ክልላት እታ ሃገር ልዕሊ 20 ሽሕ ተወሰኽቲ ሰባት ከፈናቕል ከምዝኽእል ኮሚሽን ባህርያዊ ሓደጋ እታ ሃገር የጠንቅቕ።

ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘለዋ ሃገራት ዓለም ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ ቀዳማይ ጠንቁ ባህርያዊ ሓደጋ ዝፈጠሮ ድርቂ ኮይኑ ዝናብን ዕልቕልቕን ድማ ብኻልኣይ ደረጃ ይስራዕ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብዚ ዝቕጽል መንፈቕ፣ ልዕሊ 200 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ክስጎጉ ከምዝኽእሉ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።

ዛጊት፣ ካብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንዝተሰጎጉ ኣስታት 10 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ን14 መዓልታት ኣብ ናይ ውሸባ ማእከላት ከምዘጽንሖም ዝግለጽ መንግስቲ፣ ኣብዚ ዝቕጽል ኣዋርሕ ንዝመጽኡ ተወሰኽቲ 10ታት ኣሽሓት ንምእላይ ክጽገም ከምዝኽእል ይግመት።

ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ንልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት፣ ናይ መግቢን ካልእን ህጹጽ ሓገዛት ዝገብር ዘሎ ውድብ መግብን ሕርሻን ብወገኑ፣ ኣብዚ ዝቕጽል መንፈቕ ንዘጋጥም ዋሕዚ ተመለስቲ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ 220 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘድልዮ ጠቒሱ ኣሎ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0