ኢትዮጵያ፣ ብስም ኦነግ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ስጉምቲ ክትወስድ ምዃኑ ተጠንቕቕ

ኢትዮጵያ፣ ብስም ኦነግ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ስጉምቲ ክትወስድ ምዃኑ ተጠንቕቕ

Radio Erena: 31 October 2018

Ibssa and Megerssa

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ብስም ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት፣ ብረቶም እንተዘየውሪዶም መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ፕረዚደንት ናይቲ ክልል ኣቶ ለማ መገርሳ ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ፣ ዕጡቓት ኦነግ ኣብ ምዕራብ ኦሮሞያ ከባቢታት ወለጋ ብዘካይድዎ ዘለዎ መጥቃዕታት ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት የውርዱ ከምዘለዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ዕጡቕ ክፋል ኦነግ ምስቲ ብኣቶ ለማ መገርሳ ዝተወከለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ከምዝኸተመ ዝዝከር’ዩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ ኩሎም ዕጡቓት ብረቶም ብምውራድ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክዋስኡ’ዩ ዝጠለብ።

ናብ ኤርትራ ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ፣ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ዕጡቓት ኦነግ ኮይኑ ዝጸንሐ ጀነራል ከማል ገልቹ፣ ድሕሪ’ዚ ስምምዕ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ኦሮምያ ኮይኑ ተመዚዙ ምህላዉ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ኦነግ ንልዕሊ ፍርቂ ናይቶም ዕጡቓቱ ብረቶም ከምዘየፍትሐ ብተደጋጋሚ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ናዕብን ዕግርግርን ክልል ኦሮሞ፣ ኣብ ዝሓጸረ ናይ ምርግጋእ ተስፋታት ከምዘይብሉን ነቲ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያ’ውን ይልክም ምህላዉ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ኩነታት ኢትዮጵያ የመልክቱ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0