ኢትዮጵያ፣ ብሓገዝ ቻይና ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ንምምስራሕ ዝጀመረቶ መደብ ኣቛሪጻቶ

Radio Erena: 06 April 2022

ኢትዮጵያ፣ ብሓገዝ ቻይና፣ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ንምምስራሕ ዝጀመረቶ መደብ ከምዘቋረጸቶ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እታ ሃገር ነቲ መደብ ዘቋረጸቶ፣ ክኽተብ ዝደሊ ብዝሒ ህዝባ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ ብዝብል ምዃኑ ንዋና ኣካያዲ ስራሕ መድሃኒታት ኢትዮጵያ ዶ/ር መሓመድ ኑር ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ ንዝተጀመሩ ሓያሎ መደባት ስለዘሰናኸለ፣ ምቋርጽ መደብ ምምስራሕ ክታበት ጸረ ኮረና’ውን ኣካል ናይዚ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኢትዮጵያ፣ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ንምምስራሕ ክተሓጋጋዛ መዲቡ ዝነበረ ናይ ቻይና ኩባንያ ኣይተገልጸን።

ለበዳ ኮቪድ 19፣ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ከቢድ ስግኣት፣ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ምውራዱ፣ ናይ ጥዕና ጸቕጢ ንዝጸንሓ ሃገራት ሩፍታ ክህብ ጀሚሩ ኣሎ።

ብፍላይ እኹል ክታበት ክረኽባ ንዘይክኣላ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ምእላይ ስግኣት ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ባይታ ዘቢጡ ንዘሎ ቁጠብአን ንምብርባር ዕድል ክህበን’ዩ።

እንተኾነ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከባሉ ዝኣመሰላ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብ ስግኣት ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንላዕሊ ምልካዊ ስርዓተ ምሕደራን፣ ኵናትን ደርቂን፣ ንቁጠባታትን ብዝበኣሰ ይርምሶ ምህላዉ ‘ዩ ዝግለጽ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0