ባይቶ ኮንግ ኣመሪካ፣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ውሳኔ ክህበሉ መዲቡ ዝነበረ ንድፈ ሕጊ ናብ ካልእ እዋን ኣሰጋጊርዎ

Radio Erena: 06 April 2022

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ወይ ኮንግረስ፣ ምስ ኵናት ትግራይ ተተሓሒዙ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ውሳኔ ክህወበሉ መዲቡ ዝንበረ ብHR6600 ን S3199 ዝፍለጡ ንድፈ ሕግታት፣ ናብ ካልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ ተሓቢሩ።

እቲ ኮንግረስ፣ ነቲ ናይ ውሳኔ መደብ ከምዘናውሖ ዝተገልጸ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ምእንቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ ምቑራጽ ኵናት ዘምጽኦ እወታዊ ምዕባለታት ንምግምጋም ምዃኑ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኣመሪካ ዝነበረ፣ ቲቦር ናጂ፣ ብትዊተር ኣረዲኡ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ሰኔትን ኣመሪካ፣ ነቲ ንድፈ ሕጊታት ናብ ካልእ እዋን ንምስግጋር ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም’ዩ ተሰሚዑ።

እቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሳኺ እገዳን ካልእን ስጉምታት ንምውሳድ ዝዓለመ ንድፈ ሕጊታት፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ወርሒ ሕዳር ብኣባላት ባይቶ ሰነተን ኮንግረስን ናይ ሰልፊ ደሞክራትስ፣ ብመልክዕ እማመ ከምዝቐረበ ይዝከር።

እቲ ንድፈ ሕጊታት፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ኣውራ መሻርኽቲ ንዘሎ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ዝተናኽፍ ምዃኑ’ዩ ዝጥቐስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምንዋሕ ውሳኔ ናይቲ ንድፈ ሕጊታት ብእወታ ከምዝርእዮ ብምጥቃስ፣ ጠቕሊሉ ክእለ ጻዕርታቱ ከምዝቕጽል ማዕከናት ዜና ናይቲ መንግስቲ ገሊጸን።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0