ኢትዮጵያ፣ ብሓደጋ መኪና 18 ሰባት ሞይቶም

ኢትዮጵያ፣ ብሓደጋ መኪና 18 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 28 October 2018

ethi_car accidentኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና፣ 18 ሰባት ከምዝሞቱ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ኣብቲ ብቀዳም 27 ጥቅምቲ ናይ ንግሆ፣ ናይ ሰራዊት መኪና ምስ ሚኒባስ ብምግጫው ዝተፈጥረ ሓደጋ፣ 12 ሰባት እውን ቆሲሎም ከምዘለዉ ሺን ሁ ዋ ሓቢሩ።
ጠንቂ’ቲ ሓደጋ ገና ኣብ መጽናዕቲ ስለዘሎ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

ኢትዮጵያ ምስ ብዝሒ ህዝባ ክነጻጸር እንከሎ ካብተን ዝወሓደ ተሽከርከርቲ ዘለወን ሃገራት እኳ እንተኾነት፣ ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ጽርግያታትን፣ ኣብ መምርሒ ፍቓድ ምውጻእ ብዘሎ ምጥፍፋእን፣ ካብተን ብብዝሒ ሓደጋ ዝፍጸመለን ሃገራት ዓለም እያ።

 

=============== 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0