ደ.ሱዳን፣ ‘ሰራዊት መንግስቲ መጥቃዕቲ ከፊቶም’ ተቓወምቲ ውድባት

ደ.ሱዳን፣ ‘ሰራዊት መንግስቲ መጥቃዕቲ ከፊቶም’ ተቓወምቲ ውድባት

Radio Erena: 28 October 2018

lam paul_ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝዓበየ ተቓዋሚ ሓይሊ፣ ሰራዊት መንግስቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ክብል ከሲሱ።

እቲ ውድብ ብዓርቢ 26 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ምዕራባዊ ከባቢ ባሕረልጋዘል ኣብ ልዕሊኡ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጹ።

እቲ ዝወጸ መግለጺ ዝርዝራዊ ሓበሬታ’ኳ እንተዘይብሉ፣ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ተነቃፊ እዋን ስለዝርከብ መንግስቲ ካብ ወተሃደራዊ መጥቃዕታት ክቑጠብ ጸዊዑ።

መራሕቲ መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲኦም ንዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ክቆጻጸሩዎም ብዘይምኽኣሎም፣ ዘተ ሰላም ኣብ ዝተፈረመሉ ሒደት ሰዓታት ናብ ዳግማይ ኲናት ክኣትዉን ሓድሕድ ክካሰሱን ብተደጋጋሚ ክረኣዩ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ እውን ኣብ ከባቢ ፈለግ የይ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ካብ ሰራዊት መንግስቲ ከምዝተፈነወሉ ኤስ.ፒ.ኤል.ኤም. የመልክት።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0