ሕብረት ኣፍሪቃ፣ መላእ ዓለም ኣብ ዝተሻቐለሉ ኵናት ትግራይን ምትእትታው ኤርትራን ስቕታ ምምራጹ ተነቒፉ

Radio Erena: 10 August 2021

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ስቕታ ምምራጹ፣ ብዝተፈላለዩ ተንተንቲ ይንቀፍ ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝማእከሉ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናብ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን ልሒሙ ዘሎ ኵናት ትግራይን ንኢትዮጵያ ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ውድቀትን ብዝምልከት ዛጊት መግለጺ ይኹን ንምፍትሑ እማመታት ኣየቕረበን።

ብኣንጻር እዚ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳን ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን፣ ነቲ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ኣህሊቑን ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ኣመዛቢሉን ዘሎ ኵናት ብዝምልከት፣ መፍትሒ’ዩ ዝበልኦ እማመታትን ለበዋታትን ኣብ ምቕራብ ይርከባ።

እቲ ጉዳይ ብቀረባ ዝምልከቶ ሕብረት ኣፍሪቃ ግና፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ስቕታ መሪጹ ይርከብ።

እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ፈሊክስ ተስኪድ ይኹን ኮሚሽነር ናይቲ ሕብረት፣ ሙሳ ፋኪ፣ ኵናት ትግራይ ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ዘይምምዛዞም ዘገርም ምዃኑ፣ ማዕከን ዜና ኣፍሪካን ሪፖርት ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንኢትዮጵያ ምስ ሱዳንን ግብጺን ንዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት፣ ከም መንጎኛ ከዛቲ ቅሩብ ምዃኑ’ዩ ብተደጋጋሚ ዝጠቅስ።

ብዛዕባ’ዚ ንኢትዮጵያ ናብ ውድቀት ኣምሪሑዋ ዘሎ ኵናት ትግራይን ምትእትታው ኤርትራ ኣብቲ ኵናትን ግና፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ስቕታ’ዩ መሪጹ ዘሎ።

ካብ ዝምስረት ልዕሊ 50 ዓመቱ ኣቝጺሩ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብተናጸል ይኹን ዞባዊ ቅልውላዋት ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን፣ ብቕልጡፍ ክዋሳእን መፍትሒታት ከናድን ኣይርአን’ዩ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0