ኢትዮጵያ፣ ቅልጡፍ ምንቁልቋል ቁጠባ፣ ዝቕባበ ይፈጥር ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 10 August 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት፣ መጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብኣስታት 50% ከምዝነሃረ ተገሊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ዶላር ኣመሪካ፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ብ67 ብር ይሽረፍ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ዘ ሪፖርተር፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ናይ 12 ብር ወሰኽ ከምዘርኣየ ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሕጋዊ ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ ኣብ ሰሰለስተ ሰሙን ናይ ሳናቲም ወሰኽ ብምርኣይ፣ ንሓደ ዶላር 45 ብርን 20 ሳናቲምን’ዩ ዝሽረፍ።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ሕጋዊን ብጸሊም ዕዳጋን ዝካየድ ዘሎ ሸርፊ ናይ 22 ብር ፍልልይ ስለዘለዎ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝሕወል ገንዘብ፣ ዝበዝሐ ክፋሉ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሽረፍ ተኽእሎ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ከምዚ ዓይነት ምንቁልቋል ቁጠባ ዘውደቓ ኣውራ ምኽንያት፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ናይ ብሄር ግጭታትን ዝፈጠሮ፣ ወፍርን ንግድን ዘየተባብዕ ባይታ’ዩ።

ብተወሳኺ፣ ንመስመር ወደብ ጂቡቲን ኣዲስ ኣበባን ዘራኽብ መንገዲ ኣንጸላልዩዎ ዘሎ ሓደጋ’ውን፣ ቁጠባን ንግድን እታ ሃገር ዘይምርግጋእ ንኸርኢ ድርኺት ፈጢሩ ይርከብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቁጠባ እታ ሃገር ንምድኻም፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ምስግጋር ባጤራን ሓዋላን ክነጥፉ ጸኒሖም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ሓያሎ ትካላትን ውልቀሰባትን ናይ ምእሳር ስጉምታት ይወስድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0