ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከካዪድ እዩ

ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከካዪድ እዩ

Radio Erena: 20 January 2019

ሓያሎ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ብዝነጥፍ ዘሎ ኣልሸባብ ብዝወረዶም መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ተባሂሉ ክዝርጋሕ ዝቐነየ ዜና ሓቂ ምዃኑ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ትማሊ 19 ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ናይዚ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወሪዱ ዘሎ መጥቃዕቲ ምላሽ፣ ከቢድ ጸረ-መጥቃዕቲ ከካዪድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

መግለጺ’ቲ ሚኒስትሪ ክንደይ ኣባላቱ ከምዝተቐትሉ ኣይገለጸን። እንተኾነ ነቲ ብኣልሸባብ ዝተዋህበ ቁጽሪ ምዉታት ናይ ኣሉታ መልሲ’ዩ ሂቡሉ። 

ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ወተሃደራት ብዘካየዶ ናይ ቃጻ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ 50 ከምዝቐተለ’ዩ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ሶማል ጸጥታን ርግኣትን ንምሕላው ዝተዋፈረ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0