ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ይቕጽል፣ ኣልበሽር ቅዋም ንምቕያር ይሸባሸብ

ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ይቕጽል፣ ኣልበሽር ቅዋም ንምቕያር ይሸባሸብ

Radio Erena: 20 January 2019

ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣንጻር ናዕቢ ዘካይድ ዘሎ ህዝቢ ዝወስዱዎ ዘለዉ ጨካ ስጉምቲ ገና ይቕጽል ከምዘሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ብዓርቢ 18 ጥሪ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዘካዪዱ ዝነበሩ ብተኸፍተ ተኹሲ ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ስነስርዓት ቀብሪ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፣ ቀባሮ ነቲ ምትእኽኻብ ተጠቒሞም፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጭሮሖ ድሕሪ ምጅማሮም፣ ሰራዊት መንግስቲ ናይ ሓቂ ጠያይት ክትኩስሎም ከምዝጀመሩ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢሮም።

ብሓሙስ 17 ጥሪ እውን ብተመሳሳሊ ንቀብሪ ዝተኣከቡ ልዕሊ 5 ሽሕ ሱዳናውያን ኣንጻር ኣልበሽር ጭሮሖ ብምጅማሮም ምስ ፖሊስ ኣብ ግጭት ኣትዮም’ዮም።

ኣብዚ ንናህሪ ዋጋታት መነባብሮ ንምቅዋም ጀሚሩ ናብ ፕረዚደንት ኣልበሽር ስልጣኑ ክገድፍ ዝጠልብ ዝተሰጋገረ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ብዉሑዱ 24 ሰባት ከምዝሞቱ ኣፈኛ መንግስቲ ሓቢሩ። እንተኾነ ኣብታ ሃገር ዝነጥፉ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ቁጽሪ ምዉታት ብዕጽፍታት ከምዝዛይድ ይገልጹ።

ብመሰረት ቅዋም ሱዳን፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ እዋን ኣኺሉ’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክሳተፈሉ ዝኽእል ባይታ ንምጥጣሕ ንቅዋም’ታ ሃገር ምቅይያራት ክገብረሉ ኣብ ምሽብሻብ እንከሎ’ዩ፣ እዚ ኣንጻሩ ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ዳግማይ ተጎሃሂሩ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0