ኢትዮጵያ፣ ምስ ጅቡቲ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ክልል ዓፈር ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብውሕዱ 16 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 15 October 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምስ ጅቡቲ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ክልል ዓፈር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 16 ሰባት ከምዝሞቱን ሓያሎ ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ።

እቲ ብቀዳም ንግሆ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝፈጸሞ ኣካል ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር ብመካይን ዝተሰነዩ ዕጡቓት፣ ብዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ፣ 3 ህጻናትን 4 ደቂንስትዮን ዝርከብኦም 16 ሰባት ምሟቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረጋጊጹ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ፣ ሓይልታት ጅቡቲ’ዮም ንዝብል ዝጋዋሕ ዘሎ ወረ’ውን ሓሶት ምዃኑ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝቐውም ልዕሊ ሓደ ዓመቱ ሓሊፉ እኳ እንተሎ፣ ብናይ ብሄር ግጭታት ይኹን ካልእ ንዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸሮ ኣይከኣለን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0