ኣብ ጂቡቲ ተዓጊቶም ዝጸንሑ 142 ኢትዮጵያን ናብ ዓዶም ተመሊሶም

Radio Erena: 15 October 2019

ኣብ ጂቡቲ ተዓጊቶም ዝጸንሑ 142 ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም ከምዝመለሰ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM)ኣፍሊጡ።

እቶም ኢትዮጵያን፣ ቀይሕ ባሕሪ ብምቁራጽ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምእታው ዝሓለኑ’ዮም።

እንተኾነ፣ ዝነበሮም ገንዘብ ኩሉ ምስ ኣረከቡ፣ ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ራሕሪሖሞም ብምኻዶም፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ስለዝወደቁ ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዝወሰኑ እቲ ማሕበር ይጠቅስ።

ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ 8987 ኢትዮጵያን ካብ ጂቡቲ መሊሱ ኣሎ።

እቶም ኣስታት 1800 ካብዚኦም ብዘያኣላዩ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ዮም።

ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝቐንዐ ዋሕዚ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፣ ብመንገዲ ጅቡቲን የመንን እናዛየደ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0