ኢትዮጵያ፣  ምስ ሱዳን ኣብ ዘድውብ ከባቢታት ዝተኸስተ ግጭት ምጽራይ ይግበረሉ ምህላዉ ገሊጻ

ኢትዮጵያ፣ ምስ ሱዳን ኣብ ዘድውብ ከባቢታት ዝተኸስተ ግጭት ምጽራይ ይግበረሉ ምህላዉ ገሊጻ

Radio Erena: 03 July, 2014

eth suda

ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ከባቢታት 10 ወትሃደርት መንግስቲ ሱዳን ዝቐተለ ግጭት ኣብ ምጽራይ ከምዘላ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጹ።

ጋዜጣ ሪፖርተር ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ጸብጻብ፣ ብዛዕባ’ቲ ብሰነበት 29 ሰነ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተኻይዱ ዝተባህለ ግጭት ተወሳኺ መብርሂ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን’ዩ እቲ ኣፈኛ፣ ነቲ ጉዳይ የጻርይዎ ከምዘለዉ ጥራት ዝጠቐሰ።

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ግጭት ድሕሪ ምክያዱ፣ 10 ወትሃደራት ሱዳን ክቕትሉ እንከለዉ፣ 13 ድማ ከምዝቖሰሉ ንኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ኮለነል ኣል ስዋርሚ ኻልድ ሰዓድ ብምጥቃስ ኣፍሪካን ፕረስ ኤጄንሲ ሓቢሩ’ዩ።

 

እንተኾነ እቲ ኣፈኛ፣ እቶም ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ብዶብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ምዃኖም ደኣ’ምበር ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ምዃም ከረጋግጽ ከምዘይክኣለ ጠቒሱ ኣሎ።

ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝሓበረ’ውን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዘ ሪፖረትር ድማ፣ ኢትዮጵያ ነቲ ጠንቕን ፈጸምትን እቲ ግጭት ተጻርዮ ከምዘላ ገሊጻ’ላ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ምዕራብ ሱዳን ኣብ መንጎ ቀቢላታት ብዝተወዐ ግጭት ብውሕዱ 21 ሰባት ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ምስ ቻድ ኣብ ዘዳውብ ክፋል ዞባ ዳርፉር ዝተወልዐ ግጭት፣ ጠንቑ ዋንነት ጥሪት ዝበልዓሉ ናይ መግሃጫ መሬት ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0