ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ፣ ናብ ፕሮፌሽናል መድረኽ ተሰጋጊሩ

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ፣ ናብ ፕሮፌሽናል መድረኽ ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 03 July, 2014

mekseb

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ክለብ ኤሪ-ቴል መኽሰብ ደበሳይ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ኮይኑ። ንወዲ 23 ዓመት መኽሰብ ብደረጃ ፕሮፌሽናል ዝሓቖፈቶ ጋንታ፡ ሎሚ ዓመት ዝተመስረተት ጀርመናዊት ክለብ ባይክ አይድ – ራይድ ፎር ሄልፕ (Bike Aid – Raid for Help)እያ።

ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት፡ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ዝሃብኦ ሓበሬታ’ኳ እንተዘየለ፡ መርበብ ሓበሪታ ፕሮሳይክሊንግ ስታትስ (Procycling Stats)ግን፡ እቲ ተቐዳዳማይ ካብ 27 ሰነ 2014 ጀሚሩ ምስታ ጋንታ ከምዝተጸንበረ ገሊጹ ኣሎ።

 

እቲ መርበብ ሓበሬታ ብተወሳኺ፡ መኽሰብ ደበሳይ ማልያ እታ ክለብ ወድዩ ካብ 6 ክሳብ 19 ሓምለ ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር ብሽክለታ ዙር ኪንግሃይ ለይክ (Qinghai Lake) ቦኽሪ ናይ ፕሮፌሽናል ውድድሩ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ።

እዚ ናይ ክልተ ሓይሊ ፈረስ ደረጃ መዐቐኒ ዘለዎ ውድድር ኣብ ቻይና ዝካየድ ኮይኑ፡ 13 መድረኻት ዝሓዘን ልዕሊ 2,200 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ቅድድም እዩ።

ክለብ ባይክ አይድ – ራይድ ፎር ሄልፕ (Bike Aid – Raid for Help) ኣቐዲማ ንኤርትራዊ ክኢላ ቅጽበታዊ ውድድርን ተቐዳዳማይ ክለብ ኤሪ-ቴል ነበርን ሜሮን ኣማኑኤል ኣብ ኢዳ ከምዘእተወቶ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሜሮን’ውን ኣብ ጎኒ መኽሰብ ኮይኑ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዙር ከምስሳተፍ ተፈሊጡ ኣሎ።

መኽሰብ ደበሳይ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ንኣህጉራዊ ውድድር ዙር ኣልጀርያ ብሓፈሻዊ ግዜን ነጥብን ብምዕዋት ክልተ ማልያ፡ ከምኡ ድማ ንኣህጉራዊ ውድድር ዙር ‘ሰቲፍ’ ብነጥቢ ብምቕዳም ሓደ ማልያ ከምዝወነነ ዝዝከር እዩ።

እዚ ካብ ስድራ ቅድድም ብሽክለታ ዝወጸ ተቐዳዳማይ ሓዎም ንኣባል ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ ፍረቃልሲ ደበሳይን ተቐዳዳማይ ክለብ ሰምበል ነበር ክንዲሽሕ ደበሳይን ክኸውን ከሎ፡ ራብዐይቲ ሓፍቶም ሞሳና ደበሳይ ከኣ፡ ካብ’ተን ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዓ 3 ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ተቐዳደምቲ እያ።

ኤርትራውያን ተቓዳደምቲ ኣብ ኩሉ መድረኻት- ዞባውን ኣህጉራውያን ቅድድም ብሽክለታ ብዘመዝግብዎ ዘለዉ ልዑል ብቕዓት፣ ናብ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ናይ ዝሰጋገሩ ዘለዉ ብዝሒ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0