ኢትዮጵያ፣ ምስ ናዕብን ዕግርግርን ብዝተሓሓዝ ናይ ዝተኣስሩ ሰባት ብዝሑ ልዕሊ 1000 በጺሑ

ኢትዮጵያ፣ ምስ ናዕብን ዕግርግርን ብዝተሓሓዝ ናይ ዝተኣስሩ ሰባት ብዝሑ ልዕሊ 1000 በጺሑ

Radio Erena: 24 August 2018

Oromia forces

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልላት ኦሮሞን ደቡብን ምስ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 800 ሰባት ከምዝተኣስሩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ብስም ምንቅስቓስ መንእሰያት ቄሮ፣ ቅትለት፣ ዝምታን ካልእ ገበናትን ብምፍጻሞም፣ ሓይልታት ጸጥታ ናይ ዝኣሰርዎም ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 500 ክበጽሕ እንከሎ፣ ኣብ ክልል ደቡብ ድማ ምስ ዝተፈጥረ ናዕብን ዕግርግርን ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 300 ሰባት ምእሳሮም ማዕከን ዜና ፋና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ሶማል ንዝተፈጥረ ግጭት ናይ ምርግጋእ መስርሕ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ውን ኣማኢት ሰባት ምእሳሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ከባቢታት ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ይገልጹ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ሓደጋ ንዘሎ ጸጥታ ኢትዮጵያ ንምርግጋእ ኣማኢት ሰባት ክኣስር እንከሎ፣ ብዝተፈላለየ ገበናት ኣብ ኣብያት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ልዕሊ 600 ሰባት ከምዝፈትሐ ከኣ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝበኣሰ ጸጥታዊ ሓደጋ ከምዘላ ዝጠቕሱ ተንተንቲ ከኣ፣ ቁጽሪ ናይ ዝእሰሩ ሰባት በብዕለቱ ክውስኽ ምዃኑ ይእምቱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0