ኢትዮጵያ፣ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ብዘመናዊ መልክዕ ንምህናጽ ገዚፍ ወጻኢታት ተካይድ ኣላ

Radio Erena: 10 January 2020

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን እታ ሃገር ብዘመናዊ መልክዕ ንምህናጹ ገዚፍ ወጻኢታት የካይድ ከምዘሎ ወትሃደራውያን ምንጭታት ኣቃሊዖም።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ ካብ ጀርመን ዝዓደገን፣ ኣብ ስልጠና ሓይሊ ኣየር ዘተኮራ፣ G 120TP ዝዓይነተን ሽዱሽተ ዘመናውያን ናይ ልምምድ ነፈርቲ ድሮ ናብታ ሃገር ኣትየን ከምዘለዋን ተወሰኽቲ ሽዱሽተ ንምውናን’ውን ኣብ ምስርሕ ከምዘሎን ዲፈንስ ዌብ ኣረጋጊጹ።

እተን ነፈርቲ፣ ነተን ኢትዮጵያ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዘገልገላ SF 260TP ናይ ልምምድ ነፍርቲ ክትክኣ ምዃነን’ውን ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ቲ ካብ ጀርመን እተእትዎ ዘላ ናይ ልምምድ ነፈርቲ፣ ካብ ፈረንሳ’ውን ናይ ቢልዮናት ዶላራት ዝተገመታ፣ ዘመናውያን ነፍርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራትን ንምሽማት ኣብ መስርሕ ከምዘላ ይፍለጥ።

እታ ሃገር ብዘይካ’ዚ፣ ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ ኣብ እትገብሮ ዘላ ምድላው፣ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ንምስልጣን ምስ ፈረንሳ፣ ሩስያ፣ ኖርወይን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ምዝርራብ ትርከብ።

ፈረንሳ፣ ነቲ ኢትዮጵያ ከተቕሞ መዲባ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ምህናጽ መሪሕ ተራ ክትጻወት ምዃና ብወግዒ ተገሊጹ’ዩ።

ኣብ ከቢድ ናይ ብሄር ግጭታት ተሸሚማ እትርከብን ናብ ሙሉእ ውድቀትን ምብትታንን ከይተምርሕን ተሰጊኣ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ምስ ናጽነት ኤርትራ ዝተበታተነ ሓይሊ ባሕራ ዳግም ንምቛሙን ሓይሊ ኣየር ድማ ብዘመናዊ መልክዑ ንምሕያሉን፣ ቢልዮናት ዶላራት ብምምዳብ፣ ቀዳምነት ሂባ እትጓየየሉ ዘላ ምኽንያት ንብዙሓት ወገናት ኣገሪሙ ይርከብ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0