ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ታ ሳተላይት ጽዒና ካብ ቻይና ናብ ህዋ ዝተላእከት መንኮርኮር ዝዘርግሕዎ ኣሳእል ዝተሰንዐ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 10 January 2020

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ታ ዝሓለፈ ወርሒ ሳትላይት ጽዒና ካብ ቻይና ናብ ህዋ ዝተላእከት መንኮርኮር ዝዘርግሕዎ ኣሳእል ዝተሰንዐ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እታ ሳትላይት ናብ ህዋ ኣብ ዝተላእከትሉ እዋን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ብቀጥታ ፈነወነ ካብ ዝተኸታተሉ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያነ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝዘርግሖ ስእሊ፣ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዝተጠቕዓን ኢትዮጵያ ዝብል ዝተጻሕፋን መንኮርኮር ካብ ናይ ቀደም ዝተሰንዐ ምዃኑ እቲ ማዕከን ዜና ኣረጋጊጹ።

ብኣንጻሩ፣ እታ ንኢትዮጵያ ከተገልግል፣ ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኽበ ናይ 6 ሚልዮን ዶላር ልቃሕ፣ ብቻይና ተሰሪሓ፣ ብናይ ቻይና መንኮርኮር፣ ካብ መሬት ቻይና ናብ ህዋ ዝተላእከት መንኮርኮር፣ ባንዴራ ቻይና ዝተጠቅዓን ቻይና ዝብል ጽሑፍ ዘለዋን ምዃና እቲ ምንጪ ኣገንዚቡ።

እታ ሳትላይት ደኣ እምበር እታ መንኮርከር ናይ ኢትዮጵያ ከምዘይኮነት ዘረጋገጸት፣ ኣካያዲት ስራሕ ክፍሊ ሳይንስን ምርምር ህዋን ቤዛ ተስፋይ፣ እቲ ዝተዘርግሐ ኣሳእል፣ ንተስፋን ድሌትን ዘንጸባርቕ’ዩ ክትብል ገሊጻቶ።

እታ ኣስታት 5 ኪሎ እትምዘን ሳትላይት፣ ኣብ ህዋ ኣብ እትጸንሓሉ ንኣርባዕተ ዓመታት፣ እዋናእዊ ኣሳእል ኣብ ምልኣኽን ኩነታት ኣየርን ኣብ ምሕባርን ከተገልግል’ያ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0