ኢትዮጵያ፣ ህዝቢ ዎላይታ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ክልል ክህልዎ ሕቶ ቀሪቡ

Radio Erena: 04 September 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ህዝቢ ዎላይታ ናይ ገዛእ ርእሱ ክልል ክህልዎ፣ ናብ ክልላዊ መንግስቲ ህዝብታት ደቡብ ሕቶ ቀሪቡ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሕቶ ምቛም ክልል ብወግዒ ናብ መግስቲ ቀሪቡ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ደሞክራስያዊ ግንባር ህዝቢ ዎላይታ፣ እዚ ንህልውና መንነት ህዝቢ ዋላይታ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ዘ ሪፖርተር ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቲ ግንባር፣ ብ2 መስከረም፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ሕቶ ምቛም ክልል ህዝቢ ዎላይታ፣ ብክልላዊ መንግስትን ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብን መሰናኽል ይገጥሞ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣቐዲሙ፣ ህዝቢ ሲዳማ ተመሳሳሊ ሕቶ ብምልዓል፣ ኣድማን ተቓውሞ ከምዘካየደ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሕቶ ክልላትን ብሄራትን ኣተፋናኒ ኣርእስቲ ኮይኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ብዝተፈላለያ ብሄራት ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ምቛም ክልላት፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ግንቦት 2020 ዝካየድ ምርጫ እታ ሃገር ክርእዮ ከምዝደሊ’ዩ ዝእንፍት።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ኦሮሞ፣ ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ዓፈር፣ ሶማልን ካልኦት ህዝብታትን ዝተወልዐ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ነታ ሃገር ናብ ምሉእ ውድቀትን ምብትታንን ከየውድቓ ሓያሎ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0