ኢትዮጵያ፣ ህዝቢ ሲዳማ ሓድሽ ክልል ንምቛም ተቓውሞታት ኣብ ምውዳብ ይርከብ

Radio Erena: 19 July 2019

ህዝቢ ሲዳማ ናይ ኢትዮጵያ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ክልል ንምቛም ክገብሮ ዝጸንሐ ቃልሲ ንምቕጻሉ ተዳልዩ ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታታት ኣነጺሩ።

እቲ ህዝቢ ዘልዓሉ ሕቶ መሰል ምቛም ክልል፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እወታዊ ምላሽ እንተዘይሂብሉ፣ ኣብ ሃዋሳን ካልእ ከተማታትን ናዕብን ዕግርግርን ከይውላዕ ስግኣት ከምዘሎ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

5% ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘቕውም ዝግለጽ ዘሎ ህዝቢ ሲዳማ ኣብ ትሕቲ ክልል ህዝብታት ደቡብ ተጠርኒፉ’ዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ክልል ሲዳና ክትቐውም ይጠልብ ኣሎ።

ምሁራት ኣካላትን ፖለቲከኛታትን ኢትዮጵያ፣ ንሕቶ ህዝቢ ሲዳማ ብዝምልከት መጽናዕቲ የካይዱ ከምዘለዉ’ውን ይግለጽ።

ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ግንቦት 2020 ክሳብ ዝካየድ፣ ሕቶ ህዝቢ ሲዳማ ከይተመለሰ ክጸንሕ ከምዘለዉ ዝእንፍቱ’ውን ኣለዉ።

ኣብ ናይ ብሄር ምክፍፋል እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ብውሕዱ 8 ካልኦት ብሄራት’ውን ነናይ ገዛእ ርእሶም ክልላት ንምቛም ይሓቱ ከምዘለው ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0