መንግስቲ ኤርትራ ናጽነት ሃይማኖት ከኽብር፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጸዊዓ

Radio Erena: 21 July 2019

መንግስቲ ኤርትራ ናጽነት ሃይማኖት ከኽብር፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጸዊዓ።

ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ማይክ ፐንስ ብሓሙስ 18 ሓምለ ኣብ ዋዕላ ‘ናጽነት ሃይማኖት’ ተረኺቡ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ኣብ ኤርትራ፣ ሞውሪታንያ፣ ፓኪስታንን ስዑዲ ዓረብን ብፍሉይ ኣተኩሮ ብምሃብ፣ ኣብ’ዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዘሎ ምግሃስ ሃይማኖት ደው ክብል ጸዊዑ።

ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት፣ ንጉዳይ ፓትሪያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ናጽነት ሃይማኖት ብመንግስቲ ዝወሃብን ዝኽላእን መሰል ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ዝተወደበ ዋዕላ ናጽነት ሃይማኖት፣ ካብ መላእ ዓለም ዝተኣከቡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ወከልቲ መንግስቲ፣ ተጣበቕቲ መሰላትን፣ ግዳያት ረገጽቲ ሃይማኖት ዝኾኑ ውልቀሰባትን ተረኺቦም ኔሮም።

ብካልእ ወገን፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፣ ኤርትራዊት ዘማሪት ሄለን ብርሃነ እትርከቦም ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ግዳያት ዝኾኑ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብኣካል ረኺቡ ኣዘራሪቡዎም።

ኣብቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ ሓጺር ርክብ፣ ዘማሪት ሄለን ብርሃነ፣ ብሰንኪ እምነተይ ን32 ኣዋርሕ ኣብ ኮንተይነር ተኣሲረ እየ፣ ሕጂ ግና ብዛዕባይ ዘይኮነ ብዛዕባ’ቶም ገና ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ግዳያት መንግስቲ ኤርትራ ድምጺ ክኸውን እየ ኣብዚ ተረኺበ ዘለኹ’ ብምባል፣ ንጉዳይ’ቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ ኣልዒላ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነቶም 27 ግዳያት ሃይማኖታዊ እምነት ዝኾኑ ውልቀሰባት ድሕሪ ምምስጋን፣ ኣመሪካ ኣብ ናጽነት ሃይማኖት ዘለዋ ተሪር መርገጺ ኣዘኻኺሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0